ኣሰራርሓ መኽዘን ረዲኤት ከመይ እዩ?

ኣብዛ ኣቲኹማ ዘለኹም መርበብ ሓበረታ: ብዛዕባ መኽዘን ረዲኤት ማለት Voedselbank እንታይ ሙዃኑን: እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከም ዝህቡን ከረደኣኩም እየ። መኽዘን ረዲኤት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ነዘርላንድ ዝርከብ ኮይኑ: ዜግነት ከይፈለየ ብማዕረ ንዝምልከቶም ሰባት ይሕግዝ።